ህያው ቃል
“...ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኩሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡...”
ትንቢት ኢሳይያስ 55፡10,11 “ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዚወርድ እሞ ንምድሪ ኸየስተዮ፡ ከም ዜፍርን ከም ዜብቁልን ከኣ ከይገበሮ፡ ዘርኢ ንዘራኢ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይሃቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ፡ እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ፡ ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር፡ ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።"
ሰብ ንኽነብር መግብን ማይን ኣየርን ከምኡውን መዕቆብን፡ ኣዝዮም ኣገደስትን መሰረታውያን ነገራትን ከም ዝኾኑ፡ ብዙሕ ግዜ ክጥቀሱ ሰሚዕና ኣሎና። ብርግጽ ንደቂ ሰባት ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገራት እዮም። ግናኸ ናብ ህላውነት ዘምጽኦም መን'ዩ ወይ እንታይ እዩ ኢልናዶ'ኸ ሓሲብና ንፈልጥ? ብናይ መን ሓይልን ስልጣንን'ከ እዮም ናብ ህላውነት ዝመጹ? ሎሚ ተመራመርቲ ናይ ዓለምና ሓደ ንኹሉ ነገር ዝቆጻጸር ሓይሊ ከም ዘሎ ይገልጹ። ግናኸ ኣምላኽ ምኻኑ ዘይእመኑ ብዙሓት እዮም። ንሕናኸ ነዚ ሓይሊ'ዚ ንኣምኖዶ ዋላስ ንኽሕዶ ኢና ዘሎና? ነዚ ሓይሊ'ዚ ንኽንምኮሮ እምበኣር ኣምላኽ "...ንዓ ርኤ...” ይብል ኣሎ።
መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሓይሊ እዚ ናይ ኣምላኽ ከም ዝኾነ እዩ ዝገልጸልና። ኣብ መልእኽቲ ናብ እብራውያን 1፡3 “...፡ ኵሉውን ብሓይሊ ቓሉ ጸዊሩ ኸሎስ፡....።" ይብል። ንጉስ ዳዊትውን ኣብ መዝሙር ዳዊት 33፡8,9 "ንሱ በለ: ኰነ ድማ፣ ንሱ ኣዘዘ፣ ቈመ ኸኣ እሞ፣ ምድሪ ብመልኣ ንእግዚኣብሄር ትፍርሃዮ፣ ኣብ ዓለም ዚነብሩ ዅሎም ብእኡ ይሸበሩ።" ይብል። በዚ ቃል'ዚ እምበኣር'ዩ ፍጥረት ኩሉ ናብ ህላውነት ዝበጽሐ። ደቂ ሰባትውን ዋላ'ኳ ብመልክዕ ኣምላኽ ካብ ሓመድ ምድሪ እንተፈጠረና (ኦሪት ዘፍጥረት 2፡7)፡ ቃል ኣምላኽ ግና ልዕሊ ኩሉ እዩ። ስለዚ ናይ ኣምላኽ ቓል እምበኣር ንኹሉ ነገር ዝቆጻጸር ዘሎ ሓይሊ እዩ። የሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 24፡35 “ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ።" ብምባል ንቃሉ ሓለፋ ኩሉ ከምዘዕበዮን ከምዝረኣዮን ነንብብ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 5፡18 ውን "ሰማይን ምድርን ክሳዕ ዚሓልፍ፡ ኩሉ ኽሳዕ ዚፍጸም፡ ካብ ሕግስ የውጣ ወይስ ሓንቲ ሕንጣጥ ከም ዘይትሓልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ።" ኢሉ ተዛረበ።
ብርግጽ ብህይወት ንኽትነብር ዘኽእለካን ንህይወትካ ቀንዲ ዝኾነ ነገራትን'ዶ ክትመርጾ ኣይምደለኻን? ሓቐኛ ትርጉም ህይወት ዘይርድኣናን ህይወትናውን ፈጺማ ሰላም እትስእነሉ ምኽንያትን ክንፈልጥ'ዶኸ ኣይምደለናን? ነፍስና'ኸ ምሉእ መቀረት ህይወት ዘይብላ ትኸውን? ነዚ ኹሉ ብቃሉ መልሲ ዝሃበና ኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ሕጂ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ካልኦት መጽሓፍቲ ፍሉይን ዝኸበረን መጽሓፍ ከምዝኾነ፡ እቲ ቀዳማይ መጽሓፍ ህይወት ኮይኑውን ኣባና ዝዓበየ ቦታ ከምዘለዎን ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።
1. ቃል ኣምላኽ ወይ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ይውክል። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 1፡1,2 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ።" ይብል። ስለዚ ንቃል ኣምላኽ ሸለል ምባል ንኣምላኽ ኣይደልየካን ምባል ማለት እዩ። ነቶም ንቃሉ ክሰምዑ ዘይደልዩ ሰባትውን ጸሎቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን ምኻኑ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ 28፡9 ከምዚ ብምባል ተገሊጹ ንረኽቦ፡ “እቲ ሕጊ ኸይሰምዕ ኢሉ እዝኑ ዚመልስ፡ ጸሎቱ እኳ ፍንፉን እዩ።"
2. ቃል ኣምላኽ ናይ ህይወት ፈልፋሊ ምንጪ እዩ። ወንጌል ዮሃንስ 1፡3-4 “ብእኡ ኹሉ ኾነ፡ ካብቲ ዝኾነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝኾነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት።"
3. ካብ ሓጢኣት ሓርነት፡ ኣብ ልዕሊ ክፍኣት ከኣ ምልከት ይህበና። መዝሙር ዳዊት 119፡9,11 “ጎበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ? ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።......ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፡ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።" ወንጌል ዮሃንስ 8፡32 “ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም፡ እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ፡ በሎም።" ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 4ይ ምዕራፍ ድማ፡ የሱስ ንሰይጣን፡ "...ጽሑፍ እዩ..." ወይ "...ጽሑፍ ኣሎ..." እናበለ ሰዓሮ። ስለዚ ቃል ኣምላኽ፡ ኣብቲ ምስ ሰይጣን እቲ ጸላኢ እንዋግኣሉ ውግእና ሓደ ዓቢ መሳርያና እዩ።
4. ቃል ኣምላኽ ፈውሲ እዩ። ሓሚምና'ዶ ንኸውን? ወይስ ብዝኾነ ስቃይ'ዶ ንስቀ ንህሉ ኢና? ኣምላኽ ፈውሲ ክኾነና እንሆ ቃሉ ሂቡና። መዝሙር ዳዊት 107፡20 "ቃሉ ልኢኹ ኣሕወዮም፡ ካብ ጉድጋዶም ከኣ ኣናገፎም።" ይብል። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 8፡5-13 ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነንብብ “ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ። የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጎይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቅዕን እየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቆልዓይ ድማ ይሓዊ። ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ይገብር ከኣ። የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም ኣሎኹ። የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቖልዓ ኸኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ።" ብርግጽ የሱስ ምስፈቀደ ኩሉ ነገር እዩ ዝፍጸም። ቃሉ እኹል ሓይሊ ኣለዎ። ሎሚ እምበኣር ንነፍሲ ወከፍና ኣምላኽ ኣብ ክርስቶስ ዕረፍቲ ክንረክብ ብቃሉ ይዕድመና ኣሎ። ዝኾነ ጾር እንተሎና ብእምነት ናብኡ ንምጻእ፡ ንሱ ውን ክረድኣናን ዕረፍቲ ክህበናን እሙንን ሓቀኛን እዩ።
5. ቃሉ ኣእምሮን ምስትውዓልን ይህብ። ካብ ቄናን ጎደና ዘቅንዓናን፡ ከይንጋገ ዝግስጸናን ዝእርመናን ንሱ እዩ። ንዘለኣለም ብህይወት ንኽንነብር ዘለብመና'ውን ንሱ እዩ። 2ይ ጢሞቴዎስ 3፡16,17 “እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።"
6. ቃል ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ዓወትን ኣሳልጦን ይህብ። እያሱ 1፡8 “ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ: ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።" መዝሙር ዳዊት 1፡1-3 “ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደአ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ።"
እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ፡ ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ዝቆጻጸርን ህያውን ከምዝኾነ ካብ ፈለጥካ/ኪ ፡ ኣፍ-ደገ ሰማይውን ንሱ ዝሕብረና ካብ ኮነን ከንስዕቦ'ዶ ኣይምደለናን? ሎሚ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ከምዚ ይብል ኣሎ፡ "ሎሚ ድምጹ እንተሰማዕኩም፡...ልብኹም ኣይተትርሩ፡..."።
ንዝዓመቆ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ጽሓፉልና።
[email protected]
WWW.hope1844ministry.com